#ስነፅሑፍ
ዓይኒ ሰም እንተይበለ ካብ ዘሰንብድን ዘባህርርን ሃተፍተፍ/ሕልሚ: ናበይ ኣቢልካ ይህደም? ኣእዳውካ በሊሑ ከም ሴፍ ተመሊሱ እንትወግኣካ መን የድሕን? እዙይ እዩ ናይ ዘበንና ዓብዪ ፈተነ!
#ትግርኛ #ግጥሚ #ስነፅሑፍ #poetry #Tigrigna
March 3, 2025 at 12:29 PM
እዋናዊት ግጥሚ: ጉልባብ ደፊሮም ንምቕላዕ ንዝህቅኑ... This poem (my favorite by Paul Laurence Dunbar) took a while to translate into Tigrigna - timely for my local/personal context and also globally for the world. #poetry #Tigrigna #ትግርኛ #ግጥሚ #ስነፅሑፍ
March 1, 2025 at 1:59 PM
ፍሕሶታት ሰንኮፍ እንትኾኑ: ንጥሙር ይብትኑ: ደኺሞም ይበኑ:: ፍሕሶታት እንትሰጥሙ: እንቅዓ ይስከሙ: ንፍሉም የፈፅሙ:: ክዉን ዳኣ ንፍሓስ: ከይንከስ መልሓስ: ኣብ ምውግሑ ከይንጣዓስ:: ትዕዝብቲ ፍሕሶታት ዝወለዳ ግጥሚ #ግጥሚ #ትግርኛ #poetry #ስነፅሑፍ
February 23, 2025 at 11:35 AM
እንተ ሳዕሪ ብሕጊ ተፈጥሮ እናሓደረ ምብቋሉ ኣይተረፈን (ጊዘኡ ሓልዩ እናሓረረን እናተተክአን): እንተ ልብና ኣይግድን: እናሓደረ ክንዲ ምብቋል: እናሓደረ ይቕምስልን ይድስክልን... #ግጥሚ #ስነፅሑፍ #poetrylovers #Tigrigna
February 21, 2025 at 6:33 PM
እወ! ድሕሪ ክልተ ዓመት ምፅሓፍ እዛ ግጥሚ፤ ሎሚ'ውን ኣብ ቀራን! ተኣንገዳ/ዱ
#ትግርኛ #ግጥሚ #ስነፅሑፍ
February 18, 2025 at 7:28 PM